1 1 ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትውልዲ መጽሓፍ፦ 2 ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፤ ይስሓቅ ንያዕቆብ ወለደ፤ ያዕቆብ ንይሁዳን ነኅዋቱን ወለደ 3 ይሁዳ ኸዓ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ ኤስሮም ንኣራም ወለደ 4 ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ 5 ሰልሞን ካብ ረኣብ ንቦኤዝ ወለደ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ 6 እሴይ ንንጉሥ ዳዊት ወለደ። ንጉሥ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኦርዮ ንሰሎሞን ወለደ 7 ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ ኣብያ ንኣሳፍ ወለደ 8 ኣሳፍ ንኢዮሳፍጥ ወለደ ኢዮሳፍጥ ንኢዮራም ወለደ ኢዮራም ንዖዝያ ወለደ 9 ዖዝያ ንኢዮኣታም ወለደ ኢዮኣታም ንኣካዝ ወለደ ኣካዝ ንሕዝቅያስ ወለደ 10 ሕዝቅያስ ንምናሴ ወለደ ምናሴ ንኣሞጽ ወለደ ኣሞጽ ንኢዮስያስ ወለደ 11 ኢዮስያስ ከዓ ብጊዜ ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያንን ነኅዋቱን ወለደ። 12 ድኅሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያን ንሰላትያል ወለደ ሰላትያል ንዘሩባቤል ወለደ 13 ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ 14 ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ 15 ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ ማታን ንያዕቆብ ወለደ 16 ያዕቆብ ድማ ክርስቶስ ዝተብሃለ ኢየሱስ ንዝወለደት ንሕጹይ ማርያም ንዮሴፍ ወለደ። 17 እምበኣር ኲሉ ትውልዲ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሠርተ ኣርባዕተ ትውልዲ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሠርተ ኣርባዕተ ትውልዲ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሠርተ ኣርባዕተ ትውልዲ እዩ። 18 ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዙይ እዩ፦ እኖኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ እንተላ እንተይቲረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። 19 ሕጹያ ዮሴፍ ግና ጻድቕ ስለ ዝነበረ ብኅቡእ ክኃድጋ ድኣ ሓሰበ እምበር ክገልጻ ኣይደለየን። 20 እዙይ እናሓሰበ እንተሎ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብሕልሚ ተርአዮ ከምዙይ ድማ በሎ፦  ዮሴፍ ወዲ ዳዊት እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራኅ። 21 ወዲ ኽትወልድ እያ ንሱ ንሕዝቡ ኻብ ኃጢኣቶም ከድኅኖም እዩሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ። 22 - 23 እዝ ዂሉ ዝኾነ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ብነቢይ  እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወድውን ክትወልድ እያ ስሙ ኸዓ ኣማኑኤል ክብልዎ እዮም ትርጕሙ ድማ እግዚኣብሔር ምሳና› ማለት እዩ  ኢሉ ዝተዛረባ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ። 24 ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተሢኡ ኸምቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሕጽይቱ ማርያም ድማ ወሰዳ፤ 25 በዂሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ኣይፈለጣን፤ ኢየሱስ ኢሉ ድማ ሰመዮ።
Prev
Play
Next
Volume
Speed
0.7511.251.52